Skip to main content

ኢትዮጵያ: ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትግራይ ንጥቕዓት ተቓሊዖም

ህጹፅ ሓለዋን ሓገዝን የድሊዮም፣ ብኣሽሓት ዝግመቱ ድማ ስጋብ ሕጂ ሃለዋቶም ኣይፍለጥን።

(ናይሮቢ): ሓይሊታት መንግስቲ ኤርትራን ናይ ትግራይ ሚልሻታትን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ትግራይ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት መቕተልቲ፣ ጾታዊ ዓመፅን ካልኦት ዓበይቲ በደላትን ከም ዝፈጸሙ ሂማን ራይትስ ዋች (Huma Rights Watch) ገሊፁ። ኩሎም ተዋጋእቲ ኣካላት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝፍፅሙዎ ጥቕዓት ብቕልጡፍ ጠጠው ከብሉ፣ ካብ ናይ ስደተኛታት መዓስከር እውን ክርሕቑን ሰብኣዊ ሓገዝ ክበፅሕ ክተሓባባሩን ይግባእ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020ን ጥሪ 2021ን፣ ናይ ኤርትራን ትግራይን ተዋጋእቲ ሓይሊታት ኣሻሓት ኤርትራዊያን ስደተኛታት ናብ ዝነብሩለን ክልተ መዓስከራት ብምእታው ኣብ ስደተኛታት ብዙሕ በደላት ፈፂሞም እዮም። እቶም ኣብቲ መዓስከራት ከባቢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን እውን ብሰራዊት ኤርትራ ጥቕዓት ፈፂምዎም እዮም፡፡ እቲ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ ኣብ ክልቲኡ መዓስከራት ከባቢ ዝተወልዐ ውግእ ንቶም ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቖምን ህፁፅ ሓለዋን ሓገዝን ዘድልየሉ ኩነታት ተፈጢሩን እዩ።

ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቶም ኣምሊጦምዎም ዝመፅኡ ናይ ኤርትራ ሰራዊትን ከምኡውን ናይ ትግራይ ተዋጋእቲን መጥቃዕቲ በፂሑዎም እዩ ክትብል ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዳይሬክተር ሂማን ራይትስ ዋች ዝኾነት ላቲሻያ ባደር ገሊፃ፡፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትግራይ ዝነብሩ ኤርራዊያን ስደተኛታት ዝተፈጸመ ኣሰቃቒ መቕተልቲ፣ ጾታዊ ዓመፅን ዝምታን ናይ ኩናት ገበን እዩ።

ካብ ወርሒ ጥሪ ጀሚሮ ኣብ ዘሎ እዋን ሂማን ራይትስ ዋች 28 ኤርትራዊያን ስደተኛታት ቃለ መሕትት ገይሩ፣ ካብዚእም ድማ 23 ኣብ መዓስከር ሕፃፅ ዝነብሩ ዝነበሩ እንትኸውን፣ 5 ኣብ መዓስከር ሽመልባ ዝነብሩ ፣ 2 ድማ ነበርቲ ከተማ ሕፃፅ እዮም። ሰራዊት ኤርትራን ናይ ትግራይ ከባቢያዊ ሚሊሻታትን ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት በደል ክፍጸሙ እውን ከምዝራኣዩ ምስክርነት ሂቦም እዮም። ሂማን ራይትስ ዋች ኣብ ሰብኣዊ ረድኤት ዝተዋፈሩ ኣካላት ብምሕታትን ናይ ሳተላይት ምስሊ ገይሩን መረዳእታ ረኺቡ እዩ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብዚ መፅናዕቲ ዝተረኸቡ ርካባት ብምጥቕላል ነቶም ሓበሬታታት መሰረት ብምግባር ተወሳኺ ሓበሬታ ንምውካስ  ናብ ኢትዮጵያ በዓል መዚ ጉዳይ ስደተኛታትን ተመለስቲን ዝኾነ (ARRA)፣ ናብ ትካል ሰደተኛታት ሕቡራት መንግስታት (UNHCR)፣ ከምኡውን ናብ ናይ ኤርትራ ቆዋሚ መልእኽተኛ ኣብ ሕቡራት መንግስታትን ኣብ ጀኔቫ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ዓለምለኸ ትካላትን ደብዳበ ዝሰደደ እንትኸውን ናይ ኢትዮጵያ ትካል ጉዳይ ስደተኛታትን ተመለስቲን ከምኡውን ካብ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ጉዳይ ስደተኛታትን መልሲ እንትህቡ መንግስቲ ኤርትራ ግን ምላሽ ኣይሃበን።

ኣብ ዕለት 19 ሕዳር፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ከተማ ሕፃፅ ብምእታው ብዘይ ኣፈላላይ ብዙሓት ነበርቲ እታ ከተማ ቐቲሉ እዩ። ንቲ ከተማ ብምቁፅፃር ድማ ወራርን ዝምታን እንተካይድ ንቲ ናይ ስደተኛታት መዓስከርውን ኣቲዩ ተቆፃፂሩዎ እዩ። ገለ ኣብቲ መዓስከር ነበርቲ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት እውን ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ንብረት ዝምታ ወይ ዘረፋ ተሳተፍቲ ብምንባሮም ምስቶም ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ውጥረት ንኽፍጠር ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ገይሩ እዩ።

ኣብ ዕለት 23 ሕዳር እውን ናይ ትግራይ ሚሊሻታት ናብ መዓስከር ሕንፃፅ ብምእታው ኣብቲ ቤተክርስቲያን ጥቓ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ጥቕዓት ከም ዘብፁሑሎም ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ሞንጎ እቶም ሚሊሻታትን ሰራዊት ኤርትራን ዝተፈጠረ ረፅሚ እውን ብዙሕ ሰዓታት ዝወሰደ ብምንባሩ 9 ሰደተኛታት ከምዝተቐተሉን 17 እውን ጉድኣት ከምዝበጽሖም ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ሓንቲ ስደተኛ እውን ሰብኣያ ምስ ስድርኡ ኣብ ቤተክርስቲያን ክዑቆብ እንትፍትን ናይ ትግራይ ሚሊሻታት ከምዝቐተሉዎ ገሊፃ። ‘’ብዓል ገዛይ ንሓደ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ቆልዓ ተሰኪሙ፣ ሓደ ቆልዓ ሽዱሽተ ዓመት’ውን ኣብ ኢዱ ሕዙ ናብቲ ቤተክርስቲያን ንምእታው ክሕግዘና እንትፍትን እዮም ቐቲሎምዎ’’ ትብል።

ኣብዛ ዕለት ክልተ ደርዘን ዝኾኑ ናይቲ ከባቢ ነበርቲ እውን ኣብቲ ውግእን ድሕሪኡን ከምተቐተሉ ተፈሊጡ ኣሎ። ድሕሪ እቲ ውግእ ናይ ትግራይ ሚሊሻታት ንቲ ቦታ ገዲፎምዎ ከይዶም እዮም

ፅንሕ ኢሉ ድማ ሰራዊት ኤርትራ ክልተ ደርዘን ዝኾኑ ስደተኛታት ኣብቲ መዓስከር ምስ ኣሰሮም ፀኒሑ ድማ ብወታደራዊ መኪና ፅዒኑ ወሲዱዎም እዩ። ክሳብ ሎሚ እውን ኣበይ ከምዘለዉ ኣይተፈለጠን። ንቶም ኣብቲ ውግእ ጉድኣት ዝበጽሖም 17 ስደተኛታት እውን ካብቲ  መዓስከር ወሲዶምዎም እዮም። ካብዚኦም እንተነኣሰ 1 ምናልባት እውን ካልኦት ተወሰኽቲ ንሕክምና ብዝብል ጉልባብ ናብ ኤርትራ ከምዝወሰዱዎም ተፈሊጡ ኣሎ።

ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ ኣቢሉ ካብቲ ናይ ሰደተኛታት መዓስከር ወፂኡ። ናይ ትግራይ ሓይሊታት ድማ 5 ታሕሳስ ኣጋ ምሸት ኣቢሎም ተመሊሶም መፂኦም። ናብቲ ካምፕ ገፅ ይትኩሱ ብምንባሮም ድማ ስደተኛታት ክሃድሙ ምኽንያት ኮይኑ። ኣብቶም ቀፂሎም ዝነበሩ መዓልቲታት ድማ ናይ ትግራይ ምሊሻታት ኣብ ልዕሊ ገለ ናብ ከባቢ ዘላዝለን ዝባን ገደናን ዝሃደሙ ስደተኛታት በደል፣ ማእሰርቲን ፆታዊ ጥቕዓትን ፈፂሞም እዮም። ቀፂሉውን ናብቲ ናይ ሕንፃፅ መዓስከር ኮብኪቦም መሊሶምዎም እዮም።

‘’ኣነ ድርብ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበጽሐኒ ሰብ እየ’’ ትብል ጓል 27 ዓመት ዝኾነት ስደተኛ። ‘’ምስ ጓል 17 ዓመት ሓፍተይ ኮይና ካብ ሕንፃፅ እንትንሃድም ናይ ትግራይ ሚሊሻታት ፆታዊ ዓመፅ ኣብፂሖምልና፣ ኣብ ኤርትራ እውን ተመሳሳሊ ዓመፅ ኣጋጢሙና እዩ። ብምዃኑ ድማ ንድሕንነተይ ዝከላኸለለይ ኣካል የለን።’’

ኣብ ሕፃፅ፣ ናይ ትግራይ ሚሊሻን ፍሉይ ሓይሊን፣ ናይ መን ኣባላት ምዃኖም ዘይተፈለጡ ኤርትራውያን ዑጥቓትን መፂኦም ብዙሓት ስደተኛታት ኣሲሮም ነይሮም። ምስ ሰራዊት ኤርትራ ዝተሓባበሩ ዝነበሩን ኣብቲ ከተማ ዝነበረ ናይ ንብረት ዝምታ ዝተሳተፉ ስደተኛታት ንምፍላጥ እውን ፃዕሪ ገይሮም።

ኣብ 4 ጥሪ ኣብ ጥቓ እቲ ናይ ስደተኛታት መዓስከር ከቢድ ቶኹሲ ምስተኸፈተ ናይ ትግራይ ሓይሊታት ካብ ሕንፃፅ ወፂኦም ከይዶም። ሰራዊት ኤርትራ ተመሊሱ ብምእታው ድማ ንቶም ኣብቲ መዓስከር ተሪፎም ዝነበሩ ስደተኛታት ንቲ ዓብይ ጎዳና ተኸቲሎም ናብ ኤርትራ ንክምለሱ ትእዛዝ ኣውሪዶምሎም። ኣብ ዕለት 5ን 8ን ወርሒ ጥሪ ድማ ሓይሊታት ኤርትራ ንቲ ኣብ መዓስከር ዝርከብ መዕቆቢ ገዛውቲን ንሰብኣዊ ሓገዝ ተሓሲቡ ዝተሰርሐ ትሕተ ቅርፂን ብጠቕላላ ኣቃፂሎምን ኣዕኒዮምዎን። ንዝበዝሕ ክፋል እቲ መዓስከር ድማ ሙሉእ ብሙልእ ዑና ገይሮም ገዲፎምዎ

ብድሕሪኡ ብዙሓት ስደተኛታት ከቢድን  ነዊሕን ናይ እግሪ ጉዕዞ ብምግባር ናብ ኣብ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ትርከብ ከተማ ሸራሮን ናብታ ንክልቲኦም ሃገራት ተሰሓሕብን ኣብቲ እዋን ድማ ኣብ ትሕቲ ሓይሊታት ኤርትራ ዝነበረት ከተማ ባድመን ከይዶም። ማእሰርቲን መወዳእታ ዘይብሉ ወታደራዊ አገልግሎትን ክገብሩ መንግስቲ ከምዘገድዶም ዝፈልጡ እኳ አንተነበሩ ኣብዞም ቦታታት ምስ በፅሑ ብጀካ ናብ ኤርትራ ምምላስ ካሊእ መማረፂ ከም ዘይነበሮም እቶም ስደተኛታት ገሊፆም። ኣብ ወርሒ ጥሪ ድማ ብዙሓት ስደተኛታት ኣውቶቡስ ተሳፊሮም ናብ ኤርትራ ከምዝኸዱ መሰኻኸር ገሊጾም።

ካልኦት ስደተኛታት ድማ ናብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣምሊጦም፣ ገሊኦም ናብ ከተማታት እንትኣትዉ፣ ገለውን ናብተን ኣብ ደቡባዊ ክፋል ትግራይ ዝርከባ ሽዑውን ዝሰርሓ ዝነበራ ማይ ዓይኒን ዓዲ ሓሩሽን ዝበሃላ ክልተ መዓስከር ሰደተኛታት ከይዶም። ንዚ ስዒቡ ትካል ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ከም ዝጸብፀቦ እንተኾይኑ ኣብ ሕንፃፅን ሽመልባን ይነብሩ ካብ ዝነበሩ 20, 000 ስደተኛታት እቶም 7,643 ዝኾኑ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ነሓሰ 2021 ኣቢሉ ሃለዋቶም ከምዝሰኣኖም ገሊፁ። ናብ ኢትዮጵያ ርእሰ ከተማ ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ዝኸዱ ብዙሓት ስደተኛታት እውን ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ይኹን ዓለም ለኸ መዳርግቲ ኣካላት ዝሃቡዎም ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ብዘይምህላዉ ንዝገደደ ጥቕዓትን ምዝመዛን ዝተቓልዑ ይገብሮም ይብል ትካል ሂማን ራይትስ ዋች።

''ንዓመታት ክበሃል ዝከኣል ግፍዒ ኣምሊጦም ንዝመፅኡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ትግራይ ገነት እያ ነይራ። ሎሚ ግን ከም ቀደም ድሕንነት ኣይስምዖምን’’ ከትብል ላቲሺያ ባድር ትገልፅ፡፡ “ድሕሪ እቲ ኹሉ ናይ ኣዋርሕ ፍርሒ፣ በደልን ዕሽሽታን ኢትዮጵያ ምስ ካልኦት ዓለም ለኸ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ኩሎም ኤርትራዊያን ስደተኛታት ኣድላይ ዘበለ ሓገዝ ክረኽቡን ድሕንነቶም ውሑስ ክኸውንን ክትሰርሕ ይግባእ” እውን ኢላ።

ንተወሳኺ ሓብሬታን ናይ መሰኻኸር ዝርዝር መረዳእታን፣ ከምኡውን ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓለም ለኸ ሕጋዊ ግቡእን ለበዋን ትሕት ኢሉ ዘሎ ተመልከት።

Your tax deductible gift can help stop human rights violations and save lives around the world.

Region / Country