Skip to main content

ኢትዮጵያ:- ረድኤት ናብ ትግራይ ከይኣትው ምኽልካል ፆታዊ መጥቃዕቲ ንዝበፅሐን ወገናት ዝጎድእ እዩ

· ምግብን መድሓኒትን ብቕልጡፍ ክኣቱ ይፈቐድ፤ ዓለምለኸ ምፅራይ ግፍዕታት ክካየድ ደግፉ

  • መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤት ናብ’ታ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እትርከብ ትግራይ ከይኣትው ምኽልካሉ፣ ምስ ምዕናው ትካላት ጥዕና ኣብ’ታ ክልል ተደሚሩ፣ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሖም ወገናት ኣገልግሎት ድሕረ ፆታዊ መጥቃዕቲ ከይረኽባ ገይርወን ኣሎ።
  • መንግስቲ ካብ ዝሓለፈ ሰነ ጀሚሩ ንትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ምዕፃው እውን ጥቑዓት ወሰንቲ ሕክምናውን ስነ ኣእምሯውን ደገፋት ከይረኽባ ገይርወን ኣሎ።
  • ሕብረት ኣፍሪካ፣ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላት ገበርቲ ሰናይን እቶም በደላት ብዓለምለኸ ዘይሻራዊ ኣካል ክፃረዩ ደገፎም ክህቡን ኣብ’ቲ ኵናት ዝሳተፉ ዘለው ኩሎም ሓይልታት ግፍዕታት ምፍፃም ጠጠው ከብሉን ሓገዝ ብህፁፅን ብዘይ ገደብን ክኣቱ ንክፈቕዱን ፅዕንቶ ክገብሩ ይግባእ።
Read a text description of this video

Sexual violence was used as a weapon of war in Tigray.    

But the abuse didn’t end there.  

Ethiopian forces and allies destroyed and pillaged health centers. 

The Ethiopian government blocked access to medical aid, food and basic services.   

Sexual violence survivors need critical health care and psychosocial support. 

Ethiopia Should Allow aid into Tigray. 

    (ኒውዮርክ) - መንግስቲ ኢትዮጵያ ረድኤት ናብ’ታ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ እትርከብ ትግራይ ከይኣትው ምኽልካሉ፣ ምስ ምዕናው ናይ ጥዕና ትካላት ተወሲኹዎ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝወረደን ወገናት ኣድላይ ዘበለ ኣገልግሎት ወይ ድማ ሓገዝ ከይረኽባ ገይርወን ኣሎ እንትብል ሂዩማን ራይትስ ዎች ሎሚ ኣብዘውፀኦ ፀብፃብ ገሊፁ።

    እቲ ባዓል 89-ገፅን “ንታ መዓልቲ ኩሉ ግዜ እዝክራ:- ኣገልግሎት ኣብ ትግራይ፣ ኢትዮጵያ ፆታዊ መጥቃዕቲ ንዝበፅሖም ወገናት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ዝወፀን ፀብፃብ ኣብ ትግራይ ብሕዳር 2013 ዓ.ም. ኵናት ካብዝውላዕ ንነዘ ካብ 6 ክሳብ 80 ዓመት ዝዕድሚኤን ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ወገናት ንዘጓነፈን ጉድኣት ጥዕና፣ በሰላን ተነፅሎን ሰኒዱ ኣሎ። ሂዩማን ራይትስ ዎች መንግስቲ ንትግራይ እቲ ክልል ሙሉእ ብሙሉእ ምዕፃው ዘስዓቦ ሰብኣዊ ክሳራ ኣጉሊሁዎ ገሊጹ ኣሎ። እቲ ዕጽዋ ድልየታት ጥቑዓት ብዘዕግብን ብዘላቕነትን ከይምልስን ዝዓነወ ስርዓተ ጥዕና እቲ ክልል ዳግም ከይህነፅን ምኽንያት ኮይኑ እዩ።

    ኣብተን ናይ መጀመርታ ትሽዓተ ኣዋርሕ ኵናት ትግራይ፣ ተዋጋእቲ ሓይልታት መጠነ ሰፊሕ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝፈፀሙ እንትኾን ንትካላት ጥዕና ኮነይ ኢሎም ዒላማ መጥቃዕቶም ገይሮም እዮም፤ ብዚ ድማ ንጥቑዓትን ንቲ ሕብረተሰብን ንሓያሎ ፀገማት ኣሳጢሑ እዩ” ይብላ ኒሻ ቫርያ፣ ኣብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዳይሬክተር መሰል ደቀንስትዮ። “መንግስቲ ካብ ዝሓለፈ ሰነ ጀሚሩ ንትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ምዕፃው እውን እቶም ግዳያት|ጥቑዓት ወሰንቲ ሕክምናን ስነ ኣእምሯውን ደገፋት ከይረኽቡ ገይርዎም ኣሎ።”

    ሕብረት ኣፍሪካ፣ ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ዓለምለኸ ትካላት ገበርቲ ሰናይን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኾነ ንህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ሓዊሱ ኣብ’ቲ ኵናት ዝሳተፉ ዘለው ኩሎም ሓይልታት ግፍዕታት ምፍፃም ጠጠው ከብሉን ሓገዝ ብህፁፅን ብዘይ ገደብን ክኣቱ ንክፈቕዱን ፅዕንቶ ከንብሩ ኢሉ’ውን እቶም በደላት ብዓለምለኸ ነፃ ኣካል ክፃረዩ ደገፎም ክህቡን ይግባእ።

    ሂዩማን ራይትስ ዎች 28 ሰራሕተኛታት ጥዕናን ረድኤትን ከምኡ’ውን ገበርቲ ሰናይ፣ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ወገናትን መሰኻኽር ዓይንን ቃለ መሕትት ገይሩ እዩ። ብተወሳኺ ሂዩማን ራይትስ ዎች መንነት ውልቀሰባት ብዘይቐልዕ ኣገባብ ካብ ወሃብቲ ኣገልግሎት ዝረኸቦም ካልኦት 43 ሕክምናዊ ሰነዳት ተበደልቲ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝመርመረ እንትኾውን ምስ ሰበስልጣን ትግራይ ብስልክን ብፅሑፍን ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ እዩ። ሂዩማን ራይትስ ዎች ፅሟቕ ውፅኢት መፅናዕቱን ሓበሬታ ዘናድይ ሕቶን ናብ ሰበስልጣን ፌዴራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝለኣኸ እኳ እንተኾነ ምላሽ ኣይረኸበን።

    ኣብ ትግራይ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ብሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ'ውን ብምልሻታት ክልል ኣምሓራ መጠነ ሰፊሕ ፆታዊ መጥቃዕትታት ከምዝተፈፀሙ ዘርእዩ ፀብፃባት ኣለው። እዞም መጥቃዕትታት ምግሳስ፣ ጅምላዊ ምግሳስ፣ ፆታዊ ባርነትን ምስቓይን ዘጠቓልሉ ኾይኖም ዝበዝሕ ግዜ ድማ ኣብልዕሊ ኣባላት ስድራ ብዝፍፀሙ መቕተልትታት፣ መግረፍትን ዓልየት-ተኮር ምንሻውን ዝተሰነዩ እዮም። ተዋጋእቲ ሓይልታት ትግራይ ኣብ’ቲ ክልል ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ፆታዊ መጥቃዕቲ፣ ቅትለታትን ካልኦት በደላትን ብምፍፃም፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ድማ ኣብልዕሊ ሲቪላት ኣምሓራ ተመሳሳሊ በደል ኣብፂሖም ዝብል ጥርዓን ቀሪብዎም እዩ።

    ሂዩማን ራይትስ ዎች ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሖም ወገናት ካብ ሞንጎ ዝደልዩዎም ኣገልግሎታት ጥዕና፣ ምቁራፅ ጥንሲ፣ ሕክምና ኤች ኣይ ቪ ኤድስን ሂፔታይቲስ ቢን ከምኡ’ውን ሕክምና ስብራት ኣዕፅምቲ፣ መውጋእቲ ኻራን ሱር ዝሰደደ በሰላ ፊስቱላን ይርከቡዎም። ብዘይካ’ዚ እተን ጥቑዓት ደገፍን ሕክምናን ጭንቅን ስነኣእምሯዊ ስምብራትን ከምዘድልየን ተራእዩ እዩ።

    A service provider supports a survivor of sexual violence in Tigray region, Ethiopia, February 27, 2021. © 2021 Eduardo Soteras/AFP via Getty Images

    “ሓደ መዓልቲ፣ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ንሓንቲ ትሕቲ ዕድመ ቖልዓ ሒዞም ናብ’ቲ ሆስፒታል መፂኦም” ይብል ኣብ ሓደ ናይ ከተማ ሆስፒታል ዝሰርሕ ዶክተር። “መርሚርናያ ነፍሰፆር ምዃና ኣረጋጊፅና። ኣብ ጥቓ መቐለ ኣብዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ገረብ ግባ ኣብ ትሕቲ ፆታዊ ባርነት ካብ ሞንጎ ዝነበራ ሓንቲ እያ።”

    ሂፔታይቲስ ከምዝነበራ እቲ ዶክተር ይዛረብ። “ብፍቓዳ ንቲ ጥንሲ ሰዲድናላ። ፈውሲ ሂፔታይቲስ እውን ሂብናያ። ብድሕሪኡ ብርክት ዝበላ ደቀንስትዮን ኣዋልድን ፈውሲ ንምርካብን ጥንሲ ንምስዳድን ይመፃ ነይረን። መብዛሕትአን ኣብቲ ኵናት ብዝሳተፉ ሓይልታት ብፍላይ ድማ ብወተሃደራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተደፈራ እየን ነይረን።

    ኣብተን ናይ መጀመርታ ትሽዓተ ኣዋርሕ ናይ’ቲ ኵናት ሓይልታት ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ኣምሓራን ኣብ ትግራይ ትካላት ጥዕና ዘሪፎምን ኣዕኒዎምን እዮም። እዚ ኩነታት ኣበየ መገዱ ኣብ ነቑጣታት ፈተሻ ኣብ ውሽጢ ትካላት ጥዕና ወይ ኣብ ጥቓኡ ወተሃደራት ምስ ምንባሮም ተኣሳሲሩ ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ወገናት ብፍላይ እተን ካብ ከተማ ወፃኢ ዝነበራ ኣብተን ንጥንስን ኤች ኣይ ቪ ኤድስን ንምክልኻል ዘኽእላ ወሰንቲ ናይ መጀመርታ 72 ሰዓታት ሕክምና ከይረኽቡ ገይሩዎም እዩ። ሓደ ወሃቢ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝበሎ ካብ ሞንጎ እተን ናይ ትካሎም ኣገልግሎት ክረኽባ ኣይከኣላን። ካብተን ፆታዊ መጥቃዕቲ ዝበፅሐን ወገናት እተን ልዕሊ 80 ሚኢታዊ ኣብተን ናይ መጀመርታ 72 ሰዓታት ኣይተረኻባን።

    ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ሰነ በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ ድሕሪ ምእዋጆም መንግስቲ ንታ ክልል ኣብ ክባ ኣእቲዩዋ። እቲ ዕፅዋ ምግቢ፣ መድሓኒት፣ ገንዘብን ነዳዲን ዘጠቓለለ ኾይኑ ንዓለምለኸ ሕጊ ሰብኣውነት ዝፃረር እዩ። እዚ ድማ ኣገልግሎት ጥዕና ናብ ንቡር ከይምለስ ዕንቅፋት ኮይኑ።

    ገበርቲ ሰናይ ትካላት ዓለምለኸ ደረጃ ዘማለአ ምላሽ ከተኣታትውን ከጠናኽሩን ከምዘይከኣሉ ሂዩማን ራይትስ ዎች ይገልፅ። ዝኾነ ይኹን ዝተጠናኸረ ምላሽ ንቶም ዘለው ዓበይቲ ክፍተታት ዝመልእ ክኸውን ኣለዎ። እዚ ድማ ኣድላይነት ብደረጃ ሕብረተሰብ ደገፍ ንምሃብ ዘኽእል ስርዓት፣ ንኣዋልድን ደቀንስትዮን ውሑስ ከባቢ ምፍጣር፣ ምርግጋፅ ሕክምናዊ ምሕደራ ፆታዊ መጥቃዕቲ፣ ጥዕና ስነ ኣእምሮ፣ ኣገልግሎታት ስነ ኣእምሮኣውን ማሕበራውን  ደገፋትን ፍሉያት ክንክንን ዘጠቓቓልል እዩ። እዞም ኩሎም ኣገልግሎታት ብኹሉ ተበፃሕትን ንድልየታትን ፍሉይ ኩነታትን ጉዱኣት ኣካል፣ ሽማግለታትን ህፃውንትን ኣብ ግምት ዘእተው ክኾኑ ይግባእ። ብውሑድ ደገፍን ገዘፍቲ ብድሆታትን ኣጨነቕቲ ጉዳያት ዝዓሙ ዝነበሩ እውን ደገፍ ስነ ኣእምሮ ክግበረሎም ይግብእ።

    ኣብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን ኣዋልድን ዝበፅሐ ፆታዊ መጥቃዕቲ፣ ብሰንኪ ተግባራት ፌዴራላዊ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ጥቑዓት ይፍፀሙ ዘለው በደላት፣ ከምኡ’ውን ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብልዕሊ ሲቪላት ኣምሓራ ዝፈፀሙዎ መጥቃዕቲ ዘመላኽቶ ነገር እንተሃለወ፣ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ንሰብኣዊ ሓገዝ ምትዕንቓፍ ሓዊሱ ምስ’ቲ ግርጭት ንዝተዛመዱ ግፍዕታት ንምምርማር ነፃ መፃረዪ ኣካል ከጣይሽ ዝግባእ ምዃኑ እዩ ኢሉ ሂዩማን ራይትስ ዎች።

    “እቲ ኣዕናዊ ኵናት ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ትግራይ ካብዝጅምር ንነዘ፣ መጥቃዕትታት ምግሳስ፣ ጅምላዊ ምግሳስን ፆታዊ ባርነትን ንዝበፅሖም ወገናት ህፁፅን ናይ ነዊሕ እዋንን ኣገልግሎት ክንክንን ደገፍን ብኣውርኡ የለውን” ኢለን ቫርያ። ደቀንስትዮን ኣዋልድን ትግራይ ሰፍ ዘይብል ግፍዕታት ወሪዱወን ጥራሕ ዘይኮነስ ክሓውያን ህይወተን ዳግም ክሃንፃን ወሳኒ ግደ ዘለዎም ደገፋት ምግቢ፣ ኣፋውስ፣ ፍሉይ ክንክንን ሕብረተሰብ መሰረት ዝገበረ ደገፍን ኣብ ምርካብ ውሱንነታት የጋጥመን ኣሎ።

    Your tax deductible gift can help stop human rights violations and save lives around the world.

    Region / Country