Skip to main content

ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራቤታት ጻውዒት ዕስክርና ዝነጸጉ ዜጋታት ዝውሰድ ዘሎ ስጕምታት

ንወፍሪ ግዱድ ዕስክርና ስዒቡ ዝመጸ ጃምላዊ መቕጻዕቲ

Young Eritreans return from a military training academy on August 18, 2019 in Elabered, Eritrea. © 2019 Eric Lafforgue/Art in All of Us/Corbis via Getty Images

ሂዩማን ራይትስ ዎች ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ከም ኣካል ናይቲ ካብ ዝሓለፋ ቀረባ ኣዋርሕ ከካይዶ ዝጸንሐ ወፍሪ ግዱድ ዕስክርና፡ ቤተሰብ ንጻውዒት ዕስክርና ነጺጐም ዝተባህሉ ኣሽሓት ዜጋታት ይቐጽዕ ኣሎ ኢሉ።

ኣብ ጥቅምቲ 2020፡ ኲናት ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ፡ ሰራዊት ኤርትራ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ንምሕጋዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ስርሒታት ብምሉእ ዓቕሙ ዘተሳተፈ ኰይኑ፡ ኣብቲ ኲናት ካብ ዝተራእዩ ዝኸፍኡ ግህሰታት’ውን ፈጺሙ እዩ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ፡ ሰብ መዚ እታ ሃገር ንጻውዒት ዕስክርና ዝነጸጉ ወይ ካብ ሰራዊት ዝኾብለሉ ሰባት ንምሓዝ ዝዓለመ ተደጋጋሚ ግፋታት ኣካይዶም። ካብ መስከረም 2022 ወይ’ውን ሓይልታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ክልል ትግራይ ዳሕረዋይ ሓባራዊ መጥቃዕታት ካብ ዘካየድሉ እዋን ኣትሒዙ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ዕድመ ንዝደፍኡ ደቂ-ተባዕትዮ ዘጠቓልል ሰፊሕ ግዱድ ክተትን፡ ጻውዒት ዕስክርና ናይ ዝነጸጉ ዜጋታት ስድራቤታት ምስግዳድን ምቕጻዕን ዝኣመሰሉ ተወሰኽቲ ጸቐጥቲ ስጉምታት ይወስድ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ስድራቤታት ዝወሰዱ መቕጻዕትታት፡ ሃውራዊ ማእሰርቲን ምስጓግ ካብ መንበሪ ኣባይትን የጠቓልሉ።

ምክትል ዳይሪክተር ሂዩማን ራይትስ ዎች ኣብ ኣፍሪቃ ዝዀነት ላቲይሻ ባደር፡ “ነቲ እናሰሓወ ዝኸደ ተዋጋኢ መሳርዑ ንምምልእ ዝጽዕር ዘሎ መንግስቲ ኤርትራ፡ ንጻውዒት ዕስክርና ዝነጸጉ ወይ ካብ ሰራዊት ዝኾብለሉ ሰባት ንምሓዝ ክብል ኣረጋውትን ትሕተ-ዕድመ ቘልዑ ዝሓዛ ደቂ-ኣንስትዮን ይኣስርን ካብ መንበሪ ኣባይቶም ይስጉግን ኣሎ” ብምባል፡ “ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ቤተሰብ ጻውዒት ዕስክርና ዝነጸጉ ዜጋታት ዝካየድ ጃምላዊ መቕጻዕቲ ብዘይ ዋዓል ሕደር ጠጠው ኣቢላ፡ ኣብ ምምሕያሽ‘ቲ ገደብ ኣልቦ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከተትኩር ይግባእ” ክትብል ጸዊዒት ኣቕሪባ።

ኤርትራ ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ዘጠቓልል ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘስገድድ ፖሊሲ ኣሎዋ። እዚ ፖሊሲ’ዚ፡ ነቲ ድሕሪ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዝተኻየደ ዶባዊ ግጭት ስዒቡ፡ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝካየድ ጨቋኒ ምሕደራ ቀንዲ መሳርሒ ኰይኑ የገልግል።  

ሕጋዊ ኣዋጅ እታ ሃገር ብዝድንግጐ መሰረት፡ ገደብ ግዜ ሃገራዊ ኣገልግሎት 18 ኣዋርሕ’ኳ እንተዀነ፡ እዚ ንዘይተወሰነ ግዜ ተናዊሑ፣ ኵሎም ትሕቲ 40 ዓመት ዝዕድሚኦም ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንትስትዮን ብትእዛዝ መንግስቲ ኣብ ወተሃደራዊን ሲቪላዊን ጽላታት ተመዲቦም ከምዘገልግሉ ይግበር። ብግብሪ ልዕሊ 40 ዝዕድሚኦም ሰባት’ውን ንኸገልግሉ ይግደዱ እዮም። እታ ሃገር ኣብ 2018 ምስ ኢትዮጵያ ውዕል ሰላም ድሕሪ ምፍራማ’ውን እንተዀነ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ጨቋኒ መስርሕ ንምትዕርራይ ፍቓደኛ ኣይኰነን።

ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንትስትዮን መንእስያት ገሊኦም’ውን ትሕተ-ዕድመ እናሃለዉ ናብ ውትህድርና ሓንሳብ ምስኣተዉ፡ ብስሩዕ ክፋነዉ ዘለዎም ዕድል ድሩት እዩ። ከም ሳዕቤኑ፡ ካብዚ መርማሪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት፡ “ባርነት” ኢሉ ዝጸወዖ ኵነት ንምንጋፍ፡ እንተታሒዞም ዝወርዶም መቕጻዕቲ እናፈለጡ’ውን ንምህዳም ይፍትኑ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ምስ ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ኤርትራ ዝወጹን፡ ናይ ቀረባ ኣዝማድ ግዳያት ወፍሪ ጉዱድ ዕስክርናን ንዕኡ ስዒቡ ዝመጸ መቕጻዕትታን ዝዀኑን 14 ሰባት ቃለ-መሕተት ኣካይዱ። ብተወሳኺ: ምስ 11 ጋዜጠኛታትን ተንተንትን ቃለ- መሕተት ዝተኻየደ ኮይኑ፥ ክልተ ካብዚኣቶም እዚ ወፍሪ'ዚ እንትካየድ ኣብ ኤርትራ ዝነበሩ እዮም። ንድሕነት ክብሃል፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ምስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘለዉ ሰባት ዘካየዶ ቃለ-መሕትት የለን። ኣብ መፋርቕ ጥሪ ናይ 2023፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ንልክዕነት ናይቶም ዝረኸቦም ኣገደስቲ ሓበሬታት ንምርግጋጽ ዘኽኣለ ስእልታት ሳትላይት’ውን ተመልኪቱ እዩ። ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኣብ ትግራይ ክዋግኣ ዘጸንሓ ገለ ኣሃዱታትን ኣብ ከባቢ ዶባት ዓስኪሮም ዝጸንሑ ኣባላት ዕቝር ሰራዊትን ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ለካቲት ከምዝተመልሱ ሓበሬታት በጺሕዎ ኣሎ።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት ዝተራእየ ወፍሪ ዕስክርና ኣብ መፋርቕ 2022 እዩ ጀሚሩ። በዚ ወፍሪ’ዚ፡ ሰብ መዚ እታ ሃገር ነቲ ጻውዒት ዝነጸጉ ንዝበልዎም ካብ ትምህርቲ ዘቋረጹ መንእሰያትን ካብ ሰራዊት ዝኾብለሉ ኣባላትን ዒላማ ገይሮም። መንግስቲ፡ ካብ መፋርቕ መስከረም ኣትሒዙ፡ ካብ 50 ክሳብ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ኣኽቲቱ። መብዛሕትኦም ኣባላት ናይዚ ሓይሊ ካብ ምዱብ ሰራዊት ብወግዒ ዝተፋነዉ’ኳ እንተዀኑ፡ ብረት ዓጢቘም ኣብ ሓለዋ ከባቢ ተዋፊሮም ዝጸንሑ እዮም። ሚኒስተር ዜና ኤርትራ፡ ብ17 መስከረም 2022 ንሓደ ማዕከን ዜና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ጻውዒት ዝቐረበሎም፡ “ዉሑድ ዝቝጽሮም” ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ጥራይ ምዃኖም ብምግላጽ፡ ንዅሉ ህዝቢ ዝምልከት ጻውዒት ነይሩ ንዝብል ጸብጻብ ነጺግዎ።

እዚ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት ዝተራእየ ወፍሪ ምዕስካር፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን እታ ሃገር ነቝጣታት ተፍትሽ ዘርጊሖም። ምስ ምምሕዳራት ከባቢ ብምትሕብባር፡ ህዝቢ ካብ መንግስቲ ገለ ሸቐጣት ዝረኽቡሉ መዝገብ ኩፖን ተጠቒሞም፡ ገዛ-ገዛ እናዘሩ ንጻውዒት ዕስክርና ዝነጸጉ ሰባት ንምሓዝ ሰሪሖም። ቃለ-መሕተት ዝተገብረሎም ሰባት ከምዝሓበርዎ፡ ሓይልታት ጸጥታ ስም ዝርዝር ኣብ ኩፖን ዝሰፈሩ ኣባላት ስድራቤት እናተወከሱ፡ ካብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝበኾሩ ኣባላት ስድራ ንምልላይ ይፍትኑ። ንዝኾብለለ ሰብ ኣየረከብኩምን ብምባል ድማ፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣባላት ስድራ ስጕምቲ ክወስዱ ጸኒሖም ኣለዉ።

ዕድመ ዝደፍኡ ወለድን ትሕተ-ዕድመ ቘልዑ ዝሓዛ ደቂ-ኣንስትዮን ንውሱን መዓልታት (ኣብ ገሊኡ እውን ልዕሊኡ) ዝተኣስሩ ኰይኖም፡ ካብ መንበሪ ኣባይቶም ናይ ምስጓግ ስጕምቲ ዝተወስደሎም’ውን ኣለዉ። ሂዩማን ራይትስ ዎች ከምዘረጋግጾ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2022፡ ሓንቲ ጓል 71 ዓመት ኣደ፡ ወድኺ ኣየረከብክን ብዝብል ምኽንያት፡ ኣስመራ ካብ ዝርከብ መንበሪ ገዝአን ከምዝወጻ ተገይሩ። ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝነብር ወደን ከምዚ ይብል፡ “ኣደይ ጸገም ጥዕና ኣሎዋ፡ ጐረባብቲ ሓደ ወዳ ድሮ ናብ ኣሃድኡ ተመሊሱ ስለ ዘሎ ገዝኣ ንኸይዕጾ’ኳ እንተለመኑላ፡ እቲ ካልኣይ ወድኺ ኣምጽእዮ ብምባል ሰብ-መዚ ነቲ ገዛ ዓጽዮሞ።”

ኣዝማዳ ካብ መንበሪ ገዝኦም ዝተሰጐጉዋ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር እትቕመጥ ካልእ ሰብ ብወገና፡ “ገዛ ምዕጻው ዝበሃል ቅድሚ ሕጂ ርኢና ኣይንፈልጥን፡ እዚ ናይ ዓቕሊ ጽበት ስጕምቲ እዩ፡” ትብል።

ድሕሪ’ቲ ኣብ መንጐ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰብ-መዚ ትግራይን ኣብ ጥቅምቲ 2022 ዝተበጽሐ ውዑል ምቁራጽ ተጻብኦታት’ውን እንተዀነ፡ ግፋን ቀጻዒ ስጕምታትን ክሳብ መጀመርታ ዓመተ-2023 ቀጺሎም ምህላዎም ዝረድኡ ጸብጻባት ንሂዩማን ራይትስ ዎች ይበጽሕዎ ኣለዉ።

ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝተገፈፉ ንጻውዒት መንግስቲ ነጺጐም ዝተባህሉ ሰባት፡ ብቐጥታ ናብቲ ብሰራዊት ዝመሓደርን ኣብ ከባቢ’ታ ከተማ ዝርከብን ጸይቀ-ግኑን ቤት-ማእሰርቲ ዓዲ-ኣበይቶ እዮም ዝውሰዱ። ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝተወከሶም ስእልታት ሳተላይት ከም ዘመልክትዎ፡ ካብ ጥቅምቲ 2022 ክሳብ ጥሪ 2023 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ቤት ማእሰርትን ከባቢኡን ብዙሕ ቁጽሪ ዘለዎ እኩብ ሰብ ይርአ። ብመሰረት ካብ ኣዝማድ ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ዝተባህለ ግዜ፡ ብዙሓት ካብቶም ተገፊፎም ዝተኣስሩ ሰባት ነናብ ኣሃዱታቶም ከይዶም እዮም።

ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ዝኸተቱ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ኣበየናይ ቦታታት ዓስኪሮም ምንባሮም ንምርግጋጽ’ኳ እንተዘይከኣለ፡ ገለ ካብ ኣስመራ ዝኸዱ ኣባላት’ቲ ሓይሊ፡ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ዝዳወብ ከባቢታት ጾሮና ከምዝኸዱ ዝሕብሩ ጸብጻባት በጺሖሞ እዮም።

ሓደ ተቐማጣይ ከተማ ኣስመራ፡ “ኵሉ ሰብ ኣብ ትሕቲ ስግኣት ግዱድ ዕስክርና ክነብር’ኳ እንተጸንሐ፡ እዚ ናይ ሎሚ ግን ኣዝዩ ዝተፈልየ እዩ” ይብል።

ኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ንወተሃደራዊ ኣገልግሎት ኣይክልክልን እዩ። እንተዀነ ይብል ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ኤርትራ እተዘውትሮም ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ መደብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘይተሳተፉ ሰባት ዝውሰድ ቀጻዒ ስጕምታት፣ ኣብ ልዕሊ ስድራቤቶም ዝወርድ ጃምላዊ መቕጻዕቲ፡ ገለ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሕልናዊ ተቓውሞ ዘለዎም ዜጋታት መሰሎም ዘይምኽባርን ንሃውራዊ ምስግዳድን ገደብ ኣልቦ ባህሪ ሃገራዊ ኣገልግሎት ንምብዳህ ዘኽእል ዕድላት ዘይምፍጣርን ዝኣመሰሉ ተግባራት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እዮም። ኣህጉራዊ ሕጊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሰባት ባዕሎም ንዘይፈጸምዎ ተግባር ምርኩስ ብምግባር ብገበን ተሓተቲ ምግባሮም ኣየፍቅድን።

ኣህጉራዊን ዞባዊን ሰብ መዚ፡ ኣብ ልዕሊ’ዚ ጨኳኒ ምሕደራ ዝኽተል መሪሕነት ኤርትራ ዝጭበጥ ስጕምቲ ክወስዱ ኣለዎም። ብተወሳኺ፡ ብቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብኣፍሪቃዊ ኮሚሽን ንመሰል ሰባትን ህዝብታትን ከምኡ ድማ ብክኢላታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝካየድ ቀጻሊ ምክትታል ምህላው ከረጋግጹ ይግባእ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች ብተወሳኺ፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኤርትራን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከበድቲ ግህሰታት ዝፈጸሙ ካልኦት ዕጡቓትን ዝንበር ውሱን ዝዒላማኡ እገዳታት፡ ኣብ ኤርትራ ከበድቲ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ዝፍጽሙ ውልቀ ሰባትን ትካላትን ዘነጻጸሩ፡ ምስ ፍሉጣት መለክዒታት ሰብኣዊ መሰላት ዝናበቡ፡ እገዳታት ከንብሩን ከጽንዑን ይግባእ፡ ይብል። 

ሃገራት ወሽመጥን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝርከበአን ዞባዊያን መሻርኽቲ ኤርትራ፡ ኣብቲ ሃገር ነቲ ምኽንያት ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ጠንቂ ስደትን ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ሃገራዊ ኣገልግሎት ብዝምልከት ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ክተታኣታቱ ተጽዕኖ ክገብራ ይግባእ። 

“ካብ ኩሉ ቀጸላታት ሕብረተሰብ ዝመጹ ኤርትራውያን፡ ብሳዕቤን ናይቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘዝውትሮ ዘሎ ጭኳኒ ኣገባባት ይሳቕዩ ኣለዉ” ዝበለት ላቲይሻ ባደር፡ “ዞባዊያን መሻርኽቲ ኤርትራን ኣህግራውያን ተዋሳእትን ነዚ ዓቐን ዝሓለፎ ጭኮና ንኸብቅዕ ስጉምቲ ክወስዱ ኣለዎም” ትብል። 

Your tax deductible gift can help stop human rights violations and save lives around the world.

Region / Country